PsyHealth logo

Home እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ጥዕና አእምሮ

ጥዕና አእምሮ

ጥዕና አእምሮ ንኩልና ይምልከተና እዩ። ንሳ አገዳሲ ክፋል ናይ ጥዕናን መሰረታዊ ጥጡሕ ድሕነት ናይ ውልቀ ሰብን መበገሲ ንጽቡቅ መስርሕ ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ እያ። ዝተፈላለየ አገባብ ዕብየት ናይ ጥጡሕ ድሕነትን ክንክን ንነብስካ አሎ ።

ምርዳእ

ጥዕና አእምሮ እንታይ ምኻኑን ጽልዋ ናቱን ምርዳእ አገዳሲ እዩ። ምክንያቱ ጥዕና ናይ አእምሮ ንጥዕና ብሓፈሻ አገዳሲ እዩ ። ብፍላይ ንናይ ጸገማት አእምሮ ወይ ጽላለ ዝምልከት አይኮነን ፡የግዳስ ነቲ ብድሆታት ናይ ሂወት ንክትገጥሞ ተኽእሎ ምህላው እዩ።

ግብሪ

ጥዕና ናይ አእምሮ ክቡርን ከምቲ አካላዊ ጥዕና ብፍሉይ ንጥንቀቀሉ ከምኡ ክንገብረሉ ይግባእ። ጽቡቅ ንክስምዓናን ንኽከናከንን እንታይ ክገብር አለኒ ኢልካ ምሕታት አገዳሲ እዩ ።

ክትሕገዝ

ሓዘን፡ ሕማም፡ ቅዛነት፡ ሓይሊ ዘይብልኩም፡ ሃውጺ …ይስምዓኩም ዶ፧ አብ ገለ እዋን ናይ ሂወት ካብ ካልእ ሕልክልክ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ነዞም እዋናት ንክትሰግር፡ ሓገዝ ናይ ካልኦት ክትሓትት ዘገድድ ኩነታት ክኸውን ይኽእል። ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ቀሊል አይኮነን እንተኾነ ግን አገዳሲ እዩ። ሓገዝ ምሕታት ነገራት እንታይ ይከውን አሎ ንክንርዳእ ይሕግዘናን ቀልጢፍካ መፍትሒታት ንክትረክብ ይሕግዝ ።

Psy-Health,
a website from Santépsy.ch
  • Facebook
  • Instagram
  • LinkedIn
© 2026 Psy-Health.ch
Privacy policy
design Bureau Duplex | dev troisdeuxun.ch Logo troisdeuxun Digital agency in Morges